ር.ሊ.ጳ. ካብ ሮማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ማእከል መተሓላለፊ ፈነወ ራድዮ ቫቲካን ዑደት ኣካይዶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 19 ሰነ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣካል ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝኾነ ናይ ሓጺር ማዕበል ፈነወታት መተሓላለፊ ማእከል ራድዮ ቫቲካን ናብ ዝርከበላ ከተማ ሳንታ ማርያ ዲ ጋሌርያ ገዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ዑደት ብምክያድ ምስቶም ኣብቲ መተሓላለፊ ማእከል ራዲዮ ምስ ዝርከቡ ሰራሕተይናታት ተራኺቦም መበል 43 ዓመት ቅብኣ ክህነቶም ብሓባር ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሰራሕተይናታት እቲ ማእከል ተራኺቦም ከም እተዘራረቡን ብናይ ስነ ህንጻ ንድፊ ሊቅ ፒየር ሉዊጂ ነርቪ ኣብ ዝተሰርሐ ጽርሓ መተሓላለፊ ፈነወ ራዲዮ ሓጺር ማዕበል ዑደት ከም ዘካየዱን፡ እቲ ማእከል ሬድዮ ኣብ 1957 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ተመሪቑ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረን ኣብ 1991 ዓ.ም. እውን ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ማእከል ዑደት ኣካይዶም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ብዛዕባ ኣሰራርሓ ኣንቴናታትን ፈነወታትን ኣብ ስርዓት ፈነወ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ምዕባለ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ናይ ዝቆጻጸርን መኽዘን ጭብጥታትን ካብ ሓደጋ ዝከላኸል ስርዓተ ምሕዋይ ሓደጋ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጉዳይ እውን መብርሂ ክወሃቦም ከም ዝሓተቱን፣ ናይቲ ማእከል ሓላፊ እውን ብዛዕባ እቲ ማከልን ስርዓት መቆጻጸሪ መኽዘን ጭብጥታት መብርሂ ከም ዘቕረቡሎምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ውሑዳት ፈነወታት ራዲዮ ክበጽሓሉ ኣብ ዝኽእለሉ ቦታታት ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ከም ወዲ ማሕበር ኣጎስጢኖሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኮይኖም ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበርሉ ዞባታት ካብቲ ማእከል ብሓጺር ማዕበል ዝመሓላለፍ ዝነበረ ፈነወ ራዲዮ ክበጽሕን ክከታተሉ እውን ምኽኣሎም ብምሕባር፣ ናብቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘይበጽሖ ቦታታት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ምቕራብ ብሓቂ ብዋጋ ዘይሽነን ኣገልግሎት እዩ እንክብሉ ገሊጾም፣ ቫቲካን ረዲዮን ዜና ቫቲካንን ዘለዎ ወንጌላዊ ዋጋ ከም ዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ስራሕተይናታትን ሓለፍትን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ፣ ነቲ “ብተኣማንነትን ብቐጻልነትን፡ ካልኦት ኣብ ዘዕርፍሉ በዓላት እውን ከይተረፈ (ዕለት 19 ዓመታዊ ክርበ በዓል ቅዱስ ቁርባን እውን ምዃኑ ብምዝኽኻር) ብዘይምቁራጽ ንእትህብዎ ኣገልግሎት አመስግን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ብተወሳኺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ 1951 ዓ.ም. ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ካብ ዝተገብረ ስምምዓት ዝጀመረ ታሪኽ ናይቲ ማእክልን ኩነታቱን እውን ብቐረባ ክፈልጡ ዕድል ምርካቦም ኣመስጊኖም፣ ኣብቲ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2024 ዓ.ም. ብፍሉይ ስልጣን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓው ጸሓይ ብዝብል ኣርእስቲ ብዝደንገግዎ ውሳኔ ዝተመስረተ ንመደበር ረድዮ ቫቲካን ጥራሕ ዘይኮነ ንሃገረ ቫቲካን ብጸዓት መብራህቲ ርእሰ ብቕዓት ክህልዎ ዝገብርን ውጥን ንምትግባር ዘድሊ ስራሕ ይካየድ ምህላዉ እውን ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።